ኣብ ክልል ደቡብ ካብ ዓውዲ መዓድን ዝርከብ ሃፍቲ ምምሕያሽ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘድሃበ ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር መዓድንን ኢነርጂን ኣብ ክልል ደቡብ ካብ ዓውዲ መዓድን ዝርከብ ሃፍቲ ምምሕያሽ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው ሃፍቲ መዓድን ንልምዓት ሃገር ዝነበሮ ረብሓ ዝለዓለ ስለዝኾነ እቲ ክልል ፍሉይ ትኹርት ሂቡ ክሰርሕ ኢዩ ኢሎም፡፡

ወርቂ ኣብ ዝወፅአሎም ከባቢታት መሰረተ ልምዓት ንኽማላእን ሰላምን ፀፅታን ብምርግጋፅ ከምዝስራሕ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኤጀንሲ መዓደንን ኢነርጂን ክልል ደቡብ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም 400 ኪሎ ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ንምቕራብ ተሊሙ 287 ኪሎ ግራም ወርቂ ምቕራቡ ገሊፆም።

ኣብ በጀት ዓመት 2014 ድማ 700 ኪሎ ግራም ወርቂ ኣታዊ ንምግባር ከምዝተሓሰበ ኣብሪሆም፡፡

ሚኒስትር መዓድንን ኢነርጂን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ብግደኦም፥ ኣብ ዘፈር መዓድን ሃገራዊ ድሌት ብምቱኳርን መፃኢ ዕዳጋ ምዕባይን ቀፃሊ ኣንፈት ትኹረት መንግስቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብመንፅር እዚ ነቲ ክልል ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝግበር ምግላፆም ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment