ኣብ ክልል ደቡብ ብዘጋጠመ ምድርማስ መሬት 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ፍሉይ ወረዳ ኣሌ ትማሊ ብዘጋጠመ ምድርማስ መሬት 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ካብቶም ህይወቶም ዝሓለፉ ክሳብ ሐዚ ኣስከሬን ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ።

እቲ ምድርማስ መሬት ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣባይቲ ምስ ሙሉእ ስድራ ቤቶም ጉድኣት ዘብፀሐ እንትኸውን፥ ዝተረፉ ኣስከሬናት ናይ ምእላሽ ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ ምእላሽ እቶም ኣስከሬናት ብጉልበት ሰባት ጥራሕ ዝፍፀም ስለዘይኮነ ተወሰኽቲ ማሽነሪታት ይጥቀሙ እኳ እንተሃለዉ እቲ ከባቢ ረግረግ ዝበዝሖ ብምዃኑ ፈታኒ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብምኽኒያት እቲ ምድርማስ መሬት ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ኬንዳ ናይ ምቕራብ ስራሕ ይፍፀም ከምዘሎ እውን ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው በቲ ዝበፅሐ ሓደጋ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ፥ መንግስቲ እቲ ክልል እቶም ዝተጎድኡ መሊስካ እግሪ ንምትካል ኣብ ዝግበር ስራሕቲ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ከምዝገብር ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment