ኣብ ክልል ደቡብ ብሰንኪ ድርቂ ንዝተጎድኡ 2 ሚሊየን ዜጋታት ህፁፅ ደገፍ ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ብሰንኪ ድርቂ ንዝተጎድኡ 2 ሚሊየን ዜጋታት ህፁፅ ደገፍ ከምዘድሊ ተገሊፁ።

ኮሚሽን ሓደጋን ድልውነትን ኣመራርሓ ስራሕን እቲ ክልል፥ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ኣካላት ህፁፅ ምላሽ ንክህቡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ክልል ደቡብ  342 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝነበረ ዘራእቲ ብሰንኪ ሕፅረት ዝናብ ካብ ረብሓ ወፃእ ከምዝኾነ ብመፅናዕቲ ዳህሳስ ከምዝተረጋገፀ ተገሊፁ።

ምቁርራፅ ዝናብን እኹል ዝናብ ዘይምህላውን ኣብቲ ክልል ድርቂ ንከጋጥም ምኽኒያት ከመዝኾነ ተሓቢሩ።

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣተሓባባሪ ክላስተር ገፀርን ሓላፊ ቢሮ ግብርናን እቲ ክልል ኡስማን ሱሩር፥ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ድርቂ ንዝተጎድኡ 2 ሚሊየን ዜጋታት ህፁፅ ደገፍ ከምዘድሊ ገሊፆም።

እቲ ፀገም ብህፁፅ ምፍታሕ ከምዘድሊ ምዝራቦም ዴሬቴድ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment