ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ወፍሪ ህልውና ንዝተሳተፉ ኣመራርሓን ኣባላትን ፍሉይ ሓይሊ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ኣብ ከተማ ቦንጋ ከምዝተኻየደ ገሊፁ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ ሓዊሱ ዋና ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣይተ ወንድሙ ኩርታናን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈቶ ወረራ ስዒቡ መንግስቲ ዘቕረቦ ፃዊዒት ብምቕባል ናብ ግዳጅ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣመራርሓ፣ ኣባላትን ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ዝተወሃቦም ግዳጅ ብቖራፅነት ብምፍፃም ሃገር ካብ ምፍራስ ከድሕኑ ከምዝኸኣሉ ተሓቢሩ።
እቲ መርሃ ግብሪ ሽልማትን ኣፍልጦን ኣብ ግዳጅ ተዋፊሮም ልእኽቶኦም ዛዚሞም ንዝተመለሱ ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ኣመራርሓን ዝተዳለወ ምዃኑ ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ መረዳአእታ የመላኽት።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።