ኣብ ክልል ዓፋ ዘሎ ሃፍቲ ኣልሚዕኻ ኣብ ምጥቃም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምጥንኻር ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋ ዝርከብ ሃፍቲ ኣልሚዕኻ ኣብ ምጥቃም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣጠናኺካ ክቕፅል ከምዝግባእ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

ብኣይተ መላኩ ኣለበል ዝተመርሐ ልኡኽ ፌዴራል ኣብ ክልል ዓፋር እናገበሮ ዝፀንሐ ናይ ሓገዝ ዑደት ተዛዚሙ።

እቶም ሚኒስትር ምዝዛም እቲ ዑደት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሃፍቲ ኣልሚዕኻ ኣብ ምጥቃም ዝተጀመሩ ዝበረታትዑ ስራሕቲ ከምዘለዉ ብምሕባር ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ኣገንዚቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ብግደኦም÷ እቲ ልኡኽ ሓገዝ ብጥንካረን ውስኑነትን ኣብ ዝሃቦ ሃሳብ ብትኹረት ከምዝሰርሑ ምርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ብተመሳሳሊ ብሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ትዕዝብቲ ብምዝዛም ምስ ኣመራርሓ ክልልን ዞባን ብምዝታይ ግብረ መልሲ ሂቡ፡፡

ብምዃኑ ኣብ ዓውዲታት ሰላምን ፀፅታን፣ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ሕርሻ፣ ህንፀት ኣዳሪ ቤት ትምህርት፣ ትሩፋት ሌማት እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ዝበረታትዑ ስለዝኾኑ ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ እተን ሚኒስትር ኣገንዚበን፡፡

ብሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ዝተመርሐ ልኡኽ እውን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ንኣርባዕተ መዓልቲታት ዝገበሮ ትዕዝብቲ ብምዝዛም ኣመራርሓታት እቲ ምምሕዳር ኣብ ዝተረኸቡሉ መዛዘሚ ግብረ መልሲ ሂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment