ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ብኩናት ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ኣገልግሎታት ስነልቦናን ማሕበራዊ ሓገዝን ምሃብ ዘኽእል ስልጠና ኣብ ከተማ ሰመራ ምሃብ ተጀሚሩ።
እቲ ስልጠና ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ሚኒስቴር ጥዕና፣ ኢኒስቲትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ምስ ዩኒሴፍ ብምትሕብባር ኢዩ ተዳሊዩ።
እቲ ስልጠና 900 ንዝኾኑ ሰብ ሞያ ማሕበራውን ጥዕናን፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ተፈለጥቲ ውልቀ ሰባትን ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ትካላት ከምዝውሃብ ተመላኺቱ።
ብፍላይ ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ ማሕበራውን ስነ ልቦናውን ኣገልግሎት ምሃብ ከምዘኽእል ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣስፊረን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።