ኣብ ክልል ዓፋር ደንጉዩ ዝተጀመረ ምዝገባ መረፅቲ ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 432 ጣቢያታት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ደንጉዩ ዝተጀመረ ምዝገባ መረፅቲ ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 432 ጣቢያታት ምዝገባ እናተኻየደ ከምዝኾነ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ዓፋር ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ጣሃ ዓሊ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ክልል ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ዝተቐመጠሉ እዋን ምዝገባ መረፅቲ ደንጉዩ ተጀሚሩ ኢዩ።

ከም ፀገም ፀፅታ፣ ትራንስፖርትን ካልኦትን ተተሓሒዙ ናውቲ መረፃ ብእዋኑ ናብተን ጣቢያታት መረፃ ክበፅሑ ብዘይምኽሎም እቲ ቦርድ ካብ ዘቐመጦ ግዘ ሰሌዳ ደንጉዩ ከምዝጀመረ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ቦርድ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ብዝገበሮ ፃዕሪ ኣብቲ ክልል ዝተጣየሻ ጣቢያታት ኣድለይቲ ቅጥዒታት ተማሊኦም ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ምዝገባ እናተኻየደ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment