ኣብ ክልል ዓፋር ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ይመዛበሉ ንዘለዉ ዜጋታት ህፁፅ መፍትሒ የድሊ-ቀዋሚ ኮሚቴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ይመዛበሉ ንዘለዉ ዜጋታት ህፁፅ መፍትሒ የድሊ ክብል ቀዋሚ ኮሚቴ ርክብ ወፃኢን ጉዳያት ሰላምን ባህቶ ወከልቲ ህዝቢ ገሊፁ።

ብዶክተር ዲማ ነገዎ ዝተመርሐ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝገበሮ ዑደት፥ ምስ ክልል ትግራይ ካብ ዘዋስኑ 14 ጣቢያታት ተመዛቢሎም ኣብ ኣፍዴራ ዝርከቡ ተጎዳእቲን ናይቲ ከባቢ ኣመራርሓ ኣዘራሪቡ።

እቶም ተመዛበልቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዘብፀሖ ደብዳብ ከቢስ መሳርሒ ኲናት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣበይ ከምዘለዉ ዘይፍለጥ ዜጋታት ምህላዎም ኣረዲኦም።

ካብ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ሓገዝ ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እቲ ጉጅለ ራዕዲ ምውዓሉ እቶም ተመዛበልቲ ተዛሪቦም።

እቶም ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ፥ ካብ መረበቶም ተመዛቢለን ኣብ መንገዲ ዝወለዳ ኣዶታት፣ ጥኑሳት፣ ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባትን ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናትን ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣብ ክልል ዓፋር ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ይመዛበሉ ንዘለዉ ዜጋታት ህፁፅ መፍትሒ የድሊ ኢሎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment