ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋርን ክልል ኣምሓራን ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ከምዝተርኣየ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ካብ ዝተርኣየለን ክልላት ሓሊፉ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እውን ካብ ጂቡቲን ሶማሊያን ዝኣተወ ዕስለ ከምዝተርኣየ ተገሊፁ፡፡
ሚኒስቴር ሕርሻ እውን ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ኣብ ዝተርኣየለን ከባቢታት ብ13 ኣውሮፕላናት ዝተሓገዘ ነፀጋ ኬሚካል እናካየደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ዕስለ ኣብ ዝተርኣየሎም ክልተ ክልላት ኣውሮፕላናት ብምውፋር ነፀጋ ኬሚካል ንምጅማር እናሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 8 ሺሕ ሊትሮ ኬሚካል ብምጥቃም ነፀጋ እናካየደ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ብሃይማኖት እያሱ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!