ኣብ ክልል ኦሮሚያ ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸበ ዓወትን እቲ ዓወት ክቕፅል ንምግባርን ዝዓለመ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸበ ዓወትን እቲ ዓወት ክቕፅል ንምግባርን ዝዓለመ ኣብ መላእ ክልል ኦሮሚያ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ።

ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ድጋፍ፥ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዘለዉ 5 ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብመዳይ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ካልኦት ዓውዲታትን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ዘንፀባርቑ ጭርሖታትን መልእኽቲታትን ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ ኩሎም ዞባታን ምምሕዳር ከተማታትን እቲ ክልል ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ድጋፍ፥ ህዝቢ ዝተረኸቡ ዓወታት ክቕፅሉ ንምግባር ቆራፅነቱ ኣረጋጊፁ፡፡

ሰልፈኛታት “ውፅኢታት እቲ ሰልፊ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና፣ ፅንፈኝነት ንቃወም፣ ግድብ ህዳሰን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝጀመሩዎም ስራሕቲን ኣብ ጎኖም ብምዃን ኣብ መወዳእታ ክነብፅሕ ኢና፣ 24 መጋቢት ሓወልቲ ናፅነትን ማዕርነትን ዝተነበረሉ መዓልቲ ኢዩ” ዝብሉን ካልኦትን መልእኽቲታት ኣስሚዖም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ እቲ ክልል ዝተኻየደ ሰልፊ፥ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ዜጋታት ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸበ ዓወት ክቕፅል ንምግባር ዘለዎም ቆራፅነት ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment