ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘጋጠመ ድርቂ ንምፅዋርን ዜጋታት ንምድሓንን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግድኡ ንኽዋፃእ መንግስቲ እቲ ክልል ፀዊዑ።
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣወሉ ኣብዲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ድርቂ ብብርኪ ዓለም ለኸ ፈተና እናኾነ ምምፅኡን ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ህይወት ሰብን እንስሳትን ሓደጋ እናስዐበ ከምዝርከብን ገሊፆም፡፡
እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር÷ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ድርቂ ብዘላቕነት ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዝኾ ኣብሪሆም፡፡
ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት እናጋጠመ ዝርከብ ድርቂ ልዕሊ 7 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዜታት ምድሓን ከምዝተኸኣለ ገሊፆም።
ብምኽንያት እቲ ድርቂ ህይት ሰብን እንስሳትን ከይሓልፍን ተምሃሮ ትምህርቶም ከየቋርፁን ምገባ ተምሃሮ እናተኻየደ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብቲ ክልል ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ብዘጋጠመ ድርቂ 4 ነጥ 3 ሚሊየብ ዜጋታት ሓገዝ ከምዘድልዮም ኣይ ኣወሉ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምፅዋር ዳያስፖራ ሓዊሱ መላእ ኢትዮጵያውያን ግደኦም ንኽዋፅኡ ሓቲቶም።
ብሳሙኤል ወርቃየሁ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube