ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ጎንፂ ብምውጋድ ሰላም ንምምፃእ ኣብ ታንዛኒያ እናተኻየደ ዝፀንሐ ዘተ ሰላም ቀዳማይ ምዕራፍ ሎሚ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ጎንፂ ብምውጋድ ሰላም ንምምፃእ ተሓሲቡ ኣብ ታንዛኒያ እናተኻየደ ዝፀንሐ ዘተ ሰላም ቀዳማይ ምዕራፍ ሎሚ ከምዝተዛዘመ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ “እቲ ዘተ መብዛሕትኡ ብእወንታዊ መልክዑ ዝተሳለጠ ይኹን እምበር፤ ኣብ ሓደ ሓደ ጉዳያተ ግን ኣብዚ ምዕራፍ ዘተ ኣብ ስምምዕነት ምብፃሕ ኣይተኽኣለን” ኢሉ።

እቲ ጎንፂ ብዘላቂነትን ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲን ንምቁራፅ ክልቲኦም ኣካላት ዘተ ሰላም ክቕፅል ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ከምዝተረዳድኡ እውን እቲ መግለፂ ኣብሪሁ፡፡

መንግስቲ፥ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን እናተመርሐሎም ብዝነበሩን መሰረታዊ መምርሒታት መሰረት ብምግባር እቲ ጎንፂ ሰላማዊ ብዝኾነ መልክዑ ንምፍታሕ ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

“እዚ ሰናይ ኣጋጣሚ ፀገማት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ፅቡቕ ጅማሮ ብምጥቃም እቲ ጉዳይ መዕለቢ ንኽረክብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም ዳግም የረጋግፅ” ኢሉ እቲ ኣገልግሎት።

መንግስቲ ፌዴሪኢ÷ ነቲ ዘተ ሰላም ዘመቻቸዉን ዘተኣናገዱን ኣካላት ምስጋንኡ ኣቕሪቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment