ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ሓዱሽ ኣወዳድባ ጣቢያታት መርሃ ግብሪታት ልምዓት ተበፃሒ ንምግባር ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ዝተምርሐ ልኡኽ ኣብ ዞባ ኢሉባቦር ወረዳ ሁሉ ጣቢያ ኣቢዪ ኪዳናመህረት በቲ ሓዱሽ ኣወዳድባ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ርእዩ።
ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር)፥ እቲ ኣወዳድባ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕ ኢሉ እውን ኣብ ታሕተዋይ ኣወዳድባ ዘሎ ሰብን ሃፍቲ ተፈጥሮን ንረብሓ ዜጋታትን ለምዓት ሃገርን ልዑል መሳርሒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
በቲ ኣወዳድባ ዝተጀመረ ስራሕ እወንታዊ ምዃኑ ሕብረተሰብ ካብ ዝህቦ ግብረ መልሲ ምፍላጥ ከምዘተኽኣለ ገሊፆም።
ኣብቲ ክልል ናብ ስራሕ ዝኣተወ ኣወዳድባ ኣብ ቀፃሊ ተገምጊሙን ልምዲ ተወሲዱሉን ናብ ካልኦት ክልላት ንምግፋሕ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።