ኣብ ክልል ኦሮሚያ ካብ ተካእቲ ፍርያታት 800 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣብ በጀት ዓመት 2016 ካብ ተካእቲ ፍርያታት 800 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ቢሮ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትሪን እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣሕመድ እድሪስ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ብሰብ ሃፍቲ እቲ ክልል ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ዘትርፉ ፍርያታት ንኽዋፈሩ ኣድላዪ ሓገዝ እናተገበረ ይርከብ፡፡

ኣብ ተካእቲ ፍርያታት ንዝዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ መስርሒ ቦታን ኣገልግሎት ልቓሕን ቀዲሙ ከምዝወሃብ ብምሕባር፤ በዚ ድማ ተካእቲ ፍርያታት ንምፍራይ ዝዋፈሩ ኣልማዕቲ ቁፅሮም እናወሰኸ ከምዝመፅአ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት እውን 800 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ፍርያት ኣብ ክልል ብምፍራይ ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

Comments (0)
Add Comment