ኣብ ክልል ኦሮሚያ ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢን ልምዓት ተፋሰስን ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ክልል ኦሮሚያ ንፍርያትን ፍርያታውነትን ወሳኒ ግደ ዝጻት ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ተጀሚሩ።

ኣብቲ ክልል ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ስራሕቲ ተፋሰስ ልምዓት 2014 ዓ.ም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ወረዳ ሴራሮ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ 13 ወረዳታት 324 ተፋሰሳት ከምዝስራሕ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ዞባ ዶክተር ኣብዱላሂ ቤካ ተዛሪቦም።

ኣብቶም ተፋሰሳት ዝሳለጡ ስራሕቲ 162 ሺሕ ሄክታር መሬት ከምዝለምዕ ኢዮም እቶም ሓላፊ ዝገለፁ።

ኣብ ስራሕቲ ተፋሰስ ልምዓት ዝተትሓዘ ትልሚ ንኽዕወት ንሕድሕድ ተፋሰስ ሙሉእ ሓበሬታ ተሰናዲኡ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ክልል ን60 መዓልቲታት ዝፀንሕ ሓለዋ ከባቢ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ዝሽፍን 6 ሺሕን 448 ተፋሰሳት ነዚ ዓመት ስራሕቲ ተፋሰስ ልምዓት ተፈሊዮም ተባሂሉ።

ብቢቂላ ቱፋ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment