ኣብ ክልል ኦሮሚያ መቕተልቲ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈፀመ ገበን ምግጣሙ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ መቕተልቲ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈፀመ ገበን ምግጣሙ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ መቕተልቲ ስዒቡ ብዘጋጠመ ምንጋዕ ፀፅታ ዝተሳተፉ ሰባትን ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ስቪል ሰባት ዘብፅሕዎም መጥቃዕቲታት ባህሪታት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝተፈፀመ ገበን ዘማልኡ ከምዝኾኑ ኢዩ እቲ ኮሚሽን ኣብ ፀብፃብ ምርመርኡ ኣመላኺቱ።

እቲ ኮሚሽን ካብ 22 ሰነ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት፥ ናብ 40 ከባቢታት እቲ ክልል ሰብ ሞያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብምልኣኽ ዝተረኸቡ ርካቦታት ሎሚ 23 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ዕላዊ ገይሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎምን ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ብጉጅለ ይንቀሳቐሱን ዝነበሩን ዝተሳተፉ ከምዝኾኑ ኣብ 59 ገፅ ፀብፃቡ ዕላዊ ገይሩ።

ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 123 ህይወት ሰብ እንትሓልፍ 500 ሰባት ድማ ጉድኣት ኣካል በፂሑዎም ኢዩ ኢሉ።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ድማ ከመዝተመዛበሉ ኣፍሊጡ።

እቶም ግዳያት ብብሄርን ሃይማኖትን ተፈሊዮም ዝተመረፁ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ብውሕዱ ኣብ 40 ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ዝተስፋሕፈሐን ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝፀንሐን ሀውከት ከምዝተጠቕዑ እውን ሓቢሩ።

ሓይሊታት ፀፅታ መስዋእትነት ህይወት ብዝሓትት መገዲ ብምውፋር ሓላፍነቶም ንምውፃእ ዝገበርዎ ፃዕሪ ኣዝዩ ፈታኒ ከምዝነበረ እውን ገሊፁ።

ይኹን እንበር ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ዝነበረ ኣጠቓ‑ማ ሓይሊ ተመጣጣኒ ኣብ ምዃን ሕቶ ዘልዕል ከምዝኾነ እቲ ፀብፃብ ገሊፁ።

በዚ ድማ ኣብ ውሱናት ከባቢታት ኣብቲ ሰልፊ ዘይነበሩ፣ ኣብ መገዲ ወይ ኣብ ኣፍደገኦም ዝነበሩ፣ ንዕርቀ ሰላም ኢሎም ጣልቃ ዝኣተዉ ሽማግለታትን ሕሚጨሙማት ኣእምሮን ብሰንኪ እቲ ዘይተመጣጠነ ሓይሊ ከምዝሞቱ ሓቢሩ።

እቲ ኮሚሽን ጥፍኣት ዝፈፀሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም ክብል ሓቲቱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment