ኣብ ክልል ኦሮሚያ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ልምዓት ተፋሰስ ክትግበር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ከምዝትግበር ተገሊፁ፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ካብ 6 ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ዓሰርተ ዞባታትን 56 ወረዳታትን ከምዝጅመር ዝተገለፀ እንትኸውን÷ እቲ ስራሕቲ ተፋሰስ ልምዓት ሰበኽ ሳግም፣ ሓረስቶት፣ መላእ ሕብረተሰብን ኣመራርሓን ብዘሳተፈ መልክዑ ን60 መዓልትታት ከምዝካየድ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ኣይተ አበራ ወርቁ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ሓላፊ 6 ሽሕ 448 ተፋሰስ ልምዓት ዝካየዱሎም ቦታታት ከምዝተፈለዩ ገሊፆም፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ብዝተዋደደ መልክዑ ንምምራሕ÷ 1 ሺሕን 141 ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ዝወሰዱ ሰብ ሞያታት ምስ ሕብረተሰብ ከምዝሰርሑ ተገሊፁ፡፡

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተሰርሐ ስራሕቲ ምልማዕ ደኒ ኣብ ዕብየት ሕርሻ ለውጢ ከምዘምፀአ እውን ተገሊፁ፡፡

ኣብ 2013 ካብ ሞንጎ ዝተተኸሉ 4 ነጥቢ 2 ቢሊየን ፈልስታት እቲ 3 ነጥቢ 8 ቢሊየን ከምዝፀደቐ ካብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment