ኣብ ክልል ኦሮሚያ ህዝቢ ዞባ ሰሜን ሸዋ ንሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን 33 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ህዝቢ ዞባ ሰሜን ሸዋ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምቅላስ ዝተሰናድኡ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን 33 ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበሩ ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ኣመሓዳሪ እቲ ዞባን ኣካቢ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣይተ ኣብርሃም ጋዲሳ ከምዝገለፁዎ፥ ህዝቢ እቲ ዞባ ኣብ ግምባር ንግብረ ዕዲ ህወሓት እናተቓለሱ ንዝርከቡ ጀጋኑ ኩለመዳይ ሓገዝ ይገብር ኣሎ፡፡

ኣብ 13 ወረዳታት እቲ ዞባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ሓረስቶት፣ ነጋዶን ሰብ ሃፍቲን ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት መዓልቲታት 33 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም።

ብፍላይ ሓረስቶት ምግቢ ብምውፃእ. ኣብዑር፣ ኣባጊዕን ኣጣልን ኣብ ግምባር ፀላኢ ብምቅላስ ናይ ህይወት መስዋእትነት እናኸፈሉ ንዝርከቡ ሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ እናሃቡ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ብዙሓት ነበርቲ ዘሳተፈ መርሃ ግብሪ ሓገዝ ልገሳ ደም ከምዝካየድ ዋና ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ገሊፆም፡፡

ኢዜአ ያነጋገራቸው የፍቼ ከተማና የግራር ጃርሶ ወረዳ ነዋሪዎች እንዳሉት ፥ አሸባሪዎቹ ህወሓትና ሸኔ በግንባር በመፋለም ሰራዊቱ መተኪያ የሌለውን ሕይወቱን በመክፈል የሀገር ህልውና ለማስከበር ለሚከፍለው ጥረት ድጋፍ እያደረጉ ነው፡፡

ግዜኢ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ዞባ ከምዝሓበሩዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ሸኔን ብዘለዎም ዓቕሚ ክሳብ መወዳእታ ንምቅላስ ከምዝተዳለዉ ኣመላኺቶም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment