ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍርያታውነት ስርናይ ንምድንፋዕ ዝግበር ልዑል ፃዕሪ ይንእድ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍርያታውነት ስርናይ ንምድንፋዕ ዝግበር ልዑል ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ሰያዳብርን ዋዩን ብመስኖ እናለምዐ ኣብ ዝርከብ ፍርያት ስርናይ ዑደት ገይሮም።

ሎሚ መዓልቲ በቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዑደት እናተገበረሉ ዝርከብ ኣብታ ወረዳ ቀበሌ ኣባይ ኣብ 167 ሄክታር መሬት ዝለምዐ ስርናይ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዑደት፥ “ኣብ ክልል ኣምሓራ ፍርያታውነት ስርናይ ንምድንፋዕ ዝግበር ልዑል ፃዕሪ ይንእድ” ኢሎም።

“ብክላስተር ከይዲ ሕርሻ ብሓነት ንውሕስና ምግቢን ልምዓት ሃገርን እንታይ ከምነዕውት መርኣያ ኢዩ” ኢሎም ኣብ ማሕራዊ ምትእስሳር ገፆም።

ሓረስቶት ብግደኦም ቅድሚ ሕዚ ብመስኖ ስርናይ ናይ ምፍራይ ልምዲ ክዘይነበሮምን ኣብዚ ዓመት ግን ዝሐሸ ፍርያት ከምዝረኽቡን ተስባ ሰኒቖም።

ምክትል ሓላፊ መምርሒ ሕርሻ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣይ ወርቃለማሁ ኮስትሬ፥ ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 90 ሺሕ ኩንታል ምህርቲ ትፅቢት ከምዝግበር ኣብሪሆም።

ብኣላዩ ገረመው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment