ኣብ ክልል ኣምሓራ  ዝንቀሳቐሱ ሰለስተ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኣምሓራ፣ ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ንቅናቄ (አብን) ፣ ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊታት ንቅናቄ (አዴሃን)ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም፡፡

እቶም ፓርቲታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ከሓዲ ትህነግ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ከም ቃሕትኡ እናገበረ ምፅሑ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ናይ ክሕደት መወዳእትኡ ዘርአየሉ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈፀሞ ግፍዒ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ልቢ ዝሰበረ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ብተወሳኺ እቲ ጉጅለ ኢትዮጵያ ናብ ብፅብፅን ደም ምፍሳስን ንምወውሰሳደድ ግልፂ ናይ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ጦርነት ከፊቱ ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ንፁሃን ክቐትል፣ ደቂ ኣንስትዮ ይደፍር፣ ንብረት ይዘርፍን የቃፅን ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

ብተወሳኺ ልዕሊ 300 ሺሕ ዜጋታት ከምዘፈናቐለ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 270 ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ብጭካነ ምጭፍጫፉ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ኣድሂቡ መንግስቲ ክልል ዓፋር ዘውፀኦ ኣዋጅ ሓዘን ግቡእን ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲን ከምዝኾኑ እውን ኣፍሊጦም።

ኣብ ዝሕዚ እዋን ንኢትዮጵያ ከፍርስ ኢየ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ሒሳብ ክወራርድ ኢየ ኢሉ ዝተልዓለ ትህነግ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ህዝባዊ ምሊሻታትን ከምኡ እውን መናእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናተቓለሱዎን እናወቕዑዎን ይርከቡ ኢሎም፡፡

መንግስቲ ዘቕረቦ ሃገራዊ ጻውዒትን ኣዋጅ ክተት ክልል ኣምሓራን ብምድጋፍ ንዝተልዓሉ ኣድላዪ መስዋእትነት ንምኽፋል ምላሽ ንዘሃቡን ኢትዮጵያውያን ናእደኦም ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment