ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጠረ ምንጋዕ ሰላም ንምፍታሕ መንግስቲ ብቑርፀኝነት ከምዝሰርሕ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ ዕጡቓት ሓይሊታት ሰለማዊ ፃውዒት መንግስቲ ብዘይምቅባል ኣብቲ ክልል ጎንፂ ክፍጠር ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ብመሓዉር ፀፅታ እቲ ክልል ምፍታሕ ብዘይምኽኣሉ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝተኣወጀ ተዛሪቦም።
በቲ ኣዋጅ ሙሉእ ሰላም እቲ ክልል ምርግጋፅ፣ ድሕንነት ዜጋታት ምሕላው ፈላማይ ተግባር ኢዩ ኢሎም።
ኣብቲ ክልል ብዘለዉ ፅንፈኛ ሓይሊታት ጎንፂ ብምፍጣር ውራን ንህዝቢ ናብ ዘይግቡእ ኩነታት የእትዉን ከምዘለዉ ኣረዲኦም።
መሓዉር ፀፅታ ብነፃነት ተንቀሳቒሱ ሕጊ ንከየኽብር ህፃናት ኣብ ቅድሚት ብምስላፍ ሰላም እቲ ክልል የናግዑ ከምዘለዉ አውን ተዛሪቦም።
እዚ እዋን ክረምታዊ ማእቶት ዝካየደሉ ስለዝኾነ ንሓረስቶት ዝለኣኽ ዘበናዊ ዱኽዒ እናወረሩ ንሓረስቶት የጉላእልኡ ከምዘለዉ ገሊፆም።
ኣብቲ ክልል ነቶም ሓይሊታት ተደጋጋሚ ፃውዒት እንተተገበረ እውን ፃውዒት ሰላም ኣብ ከንዲ ምቕባል ኣመራርሓ ምቕንፃልን ጎንፂ ምውላዕን ስርሖም ከምዝገበሩ ኣረዲኦም።
መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ልቦና ኣስፊሑ እናረአዮ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፥ ንካልኦት ሓይሊታት ጣልቃ ንምእታው ዕድል ዝህብ ብምዃኑ ሕጊ ንምኽባር ዓሊሙ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንምእዋጅ ከምዝተገደደ ኣብሪሆም።
እቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ውሽጢ መዓልታት ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተኣኪቦም ከምዘፅድቕዎ ገሊፆም።
እቲ ክልል ናብ ንቡር ሰላሙ ንክምለስን እቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ንክግበርን ኩሉ ሰብ ትፅቢት ዝግበረሉ ንክፍፅም ፃውዒት ኣቕሪቦም።