ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልከላ ትራንስፖርት ባጃጅ ዝተነበረለን ከተማታት ፅባሕ ግልጋሎት ንኽጅምራ እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልከላ ትራንስፖርት በዓል ሰለስተ እግሪ ተሸከርከርቲ (ባጃጅ) ዝተነበረለን ሽዱሽተ ከተማታት ፅባሕ ስሩዕ ግልጋሎት ትራንስፖርት ንኽጅምራ እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ፈቒዱ።

እቲ እዚ ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ ሓበሬታ ቁፅሪ ክልተ÷ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም ካልኣይ ዙር ስራሕቲ ወታደራዊ ኦፕሬሽን ዳርጋ ኣብ ምዝዛም ከምዝርከቡን እናተወሰደ ብዝርከብ ስጉምቲ መብዛሕተኦም ከባቢታት ናብ ስሩዕ ኩነታት እናተመለሱ ምዃኖምን ኣረጋጊፁ፡፡

ኣብ ኩሎም ከባቢታት ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ልዝብ ከምዝተጀመረ፣ መንግስታወዊ፣ ውልቃዊን ማሕበረሰባዊን ግልጋሎታት ናብ ስሩዕ ስረሖም ክምለሱ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ሕዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል እናገበሮ ዝርከብ ኣቀባብላ፣ ሓገዝ ስንቂን መበረታትዒን ብልዑል ብርኪ እናወሰኸ ምምፅኡ፣ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ግልጋሎታት ስራሕ ንኽጅምሩ ዘለዎ ድሌትን ምንቅስቓስን ዝነኣድ ከምዝኾነ እቲ እዚ ኣረጋጊፁ፡፡

ሓረስታይ ናብ ክረምታዊ ማእቶት ስርሑ እናተመለሰ ከምኡ እውን እታወታት ሕርሻ ነናብከባቢኡ ንምጉዕዓዝ ዘኽእል ኩነታት ከምዝተፈጠረ እቲ እዚ ገምጊሙ።

ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኹኺሮም ክቕፅሉ ጥቡቕ መምርሒ ዝሃበ ቲ እዚ÷ ክልከላ ኣብ ዝተገበረለን  ከተማታት ተሸከርከርቲ ባጃጅ ግልጋሎት ንኽጅምራ ካብ ህብረተሰብ ዝቐረበ ሕቶ መርሚሩ ካብ ፅባሕ ጀሚረን ግልጋሎት ንኽህባ ፈቒዱ፡፡

ምስዚ ብምትሕሓዝ ክልከላ ካብ ዝተልዓለሉ እዋን ጀሚሩ ወነንቲን ኣሽከርከርቲን ባጃጅ ኣባላት እቲ ፀንፈኛ ጉጅለ፣ ዝዘረፉዎም ንብረታትን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ጦር መሳርሒን ካብ ምጉዕዓዝ ንኽቑጠቡን ጥንቃቐ ንኽገብሩን ጥቡቕ ትእዛዝ ሂቡ፡፡

ነዚ ትእዛዝ ጥሒሶም ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ ኣካላት ብማዕቐፍ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሕጋዊ ስጉምቲ ንኽውሰድ ትእዛዝ ከምዝተውሃበ ኣብቲ መግለፂ ተመልኪቱ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment