ኣብ ክልል ኣምሓራ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት 10 ሚሊየን ብር ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ንዘድልዮም ዜጋታት 10 ሚሊየን ብር ሓገዝ ተገይሩ።

እቲ ሓገዝ ፋውንዴሽን በላይነህ ክንዴን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ትካል ወረታ ኢንተርናሽናልን ኢዮም ገይሮምዎ።

ፋውንዴሽን ቢ ኬ ጂ 7 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ዝገበረ እንትኸውን÷ ወረታ ኢንተርናሽናል ድማ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ዋና ዳይሬክተር ኣመልድ ኣለማየሁ ዋሴ (ዶ/ር)÷ ንዝተገበረ ሓገዝ ብምምስጋን ካልኦት ትካላት እውን መሰል ሓገዝ ንኽገብሩ ሓቲቶም።

ብወንድሙ ኣዱኛ

Comments (0)
Add Comment