ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊን ዳግመ ውዳበ ኣመራርሓን እቲ ክልል ናብ ጭቡጥ ምንቅስቓስ ልምዓት ንኽእቶ ከምዘኽአለ ተገሊፁ።
እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፈፃፅማ ስራሕ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብምግምጋም ኣንፈት ኣቐሚጡ፡፡
ኣብ ክልል ኣምሓራ ብመዓርግ ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ጉዳያት ዘፈር ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን እቲ ክልል ኣይተ ደሳለኝ ጣሰው ÷ ሰራዊት ምክልኻል ህዝቢ ብምውዳብ ብዝሰርሑዎ ስራሕ እቲ ክልል ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከምዝተመለሰ ገሊፆም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰላምን ድሕንነትን ኣዚዩ ከምዝተመሓየሸ ብምግላፅ ኣብቲ ክልል ኣንፀላሊዩ ዝነበረ ሓደጋ እውን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓረየን ውዳበ ፀፅታ እቲ ክልል እንደገና ብምውዳብ ናብ ዝተማለአ ልኡኽቶ ምእታው ከምዝተኸኣለን ተዛሪቦም።
ብዝነበረ ኩነታት ተደናጊሮም ምስ ፅንፈኛ ጉጅለ ተሰሊፎም ዝነበሩ መናእሰይ ናብ ትኽክለኛ መገዲ ብምምላስ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ብምዃን ሰላም ኣብ ምፅናዕ ተግባር እናወገኑ ከምዝርከቡ እውን ሓቢሮም፡፡
ዋና ኣዛዚ እዚ ምብራቕ ሌተናል ጄኔራል መሓመድ ተሰማ ብግደኦም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ብዝተገበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እቲ ጉጅለ ከምዝተዳኸመ ኣልዒሎም፡፡
ህዝቢ እቲ ክልል ሕጊ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ብምዃን ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ብምፅራሕ ብዝተሰሓሓተ ጎስጓስ ናብቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ዝተፀምበሩ መናእሰይ እናተመለሱ ከምዝርከቡ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com