ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ 13 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዌ፣ ወረዳ ጓጉሳ ሽጉዳድ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ 13 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ዋና ኢንስፔክተር ኣማረ ፈረደ ንኣብመድ ከምዝበልዎ፥ እቲ ሓደጋ ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 3 ኣዲስ ኣለም ኣብ እትበሃል ከተማ ኢዩ ኣጋጢሙ።

ካብ ጅጋ ተበጊሳ ናብ ባህርዳር እትጓዓዝ ዝነበረት ሚኒባስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ እትጓዓዝ ዝነበረት ተሽከርካሪት ፅዕነት ብምልታማ 13 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ድማ ሓቢሮም።

ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ትካላት ጥዕና ሓገዝ ሕከምና ይግበረሎም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

መበገሲ እቲ ሓደጋ ይፃረ ከምዘሎ እውን እቶም ዋና ኢንስፔክተር ኣረዲኦም።

Comments (0)
Add Comment