ኣብ ክልል ኣምሓራ ብኲናት ዝዓነዉ ትካላት ልምዓት መሊስካ ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ድልውቲ ኢየ – ስዊድን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስዊድን ኣብ ክልል ኣምሓራ ብኲናት ዝዓነዉ ትካላት ልምዓት መሊስካ ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ድልውቲ ከምዝኾት ገሊፃ።

ኣምባሳደር ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ሃሰን ሄንሪክ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ባህርዳር ተረኺቦም ኣብ እዋናዊ ጉዳይ እቲ ክልል ተዛቲዮም።

በቶም ኣምባሳደር ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ዘዘራረቡ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ክልል ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተኸፈተ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊን ንዋታዊን ዕንወት ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

እቲ ክልል ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዎ ኣንፃራዊ ሰላም ተጠቒሙ ናብ መሊስካ ምጥያሽ ስራሕ ከምዝኣተወ እውን ኣብሪሆም።

ስራሕቲ መሊስካ ምጥያሽ ናይ ብዙሓት ኣጋር ኣካላት ሓገዝን ምትሕብባርን ዝሓትት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዊድን ኣብ ክልል ኣምሓራ ብኲናት ዝዓነዉ ትካላት ልምዓት መሊስካ ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ድልውቲ ከምዝኾነት እቶም ኣምባሳደር ምሕባሮም ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Twitter (https://twitter.com/fanatelevision)

FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision) | Twitter

The latest Tweets from FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision). Radio Fana

Comments (0)
Add Comment