ኣብ ክልል ትግራይ 5 ፋብሪካታት ብሙሉእ ዓቕመን ስራሕ ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣካብነት ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ዝምራሕ ኮሚቴ ሚኒስትራት ብሄራዊ ማእኸል መተሓባበሪ ሃንደበታዊ ሓደጋ ሰብሳቢነት የሚመራው ኣኼባ ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ኣባል ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት እቲ ኮሚቴ ኣብ ክልል ትግራይን ዞባ መተከልን እናገበሩዎ ዝርከቡ ህፁፅ ቀረብ ሓገዝን ዝርገሐን ዝምልከት ፀብፃብ ኣቕሪቦም፡፡

እቶም ቤት ዕዮ ሚኒስትራት፥ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምውዳድ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ቀረባትን ብዝተዋደደ መልክዑ እናቐረቡ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ካብ ግዚያዊ ቀረብ ሓገዝ ብተወሳኺ ንህዝቢ ብቀዋሚ መሊስካ ንምጥያሽን ናብ ስሩዕ ህይወት ናይ ምምላስ ስራሕቲን ጎድና ጎድኒ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ተወከልቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፥ ዝርገሐ ርዳእታ ካብ እዋን ናብ እዋን እናደንፈዐ ምምፅኡ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብቲ ክልል ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት እናተመሓየሸ ከምዝኾ እውን ኣብሪሆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓሙሽተ ፋብሪካታት ብሙሉእ ዓቕመን ስራሕ ከምዝጀመራን ካብ ሞንጎ እዚኣተን ሓንቲ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ምቕራብ ምጅማሩ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment