ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም 189 ሺሕ ተምሃሮ ብመርሃ ግብሪ ምገባ ተረባሕቲ ምግባር ክዝተኽኣለ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ።
ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ትልሚ፣ በጀት፣ ክትትልን ድጋፍን ኣይተ ሰሎሞን በየነ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ÷ እብቲ ክልል ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ዝርከቡ ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ብምምልማልን ኣብ መርሃ ግብሪ ምገባ ተረባሕቲ ብምግባርን ትምህርቶም ብግቡእ ንኽከታተሉ እናተገበረ ይርከብ።
በዚ ድማ ኣብ 244 ቀዳማይ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝርከቡ 189 ሺሕ ተምሃሮ ብመርሃ ግብሪ ምገባ ተረባሕቲ ምግባር ከምዝተኻእለ ኣብሪሆም።
ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ መርሃ ግብሪ ምገባ ተምሃሮ ምክያዱ ድማ መጠን ምቁራፅ ትምህርቲ ተምሃሮ ክንኪ ከምዝገበሮ እቶም ዳይሬክተር ተዛሪቦም።
እቲ መርሃ ግብሪ ምገባ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ምስ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብምትሕብባር እናተወገነ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።