ኣብ ክልል ትግራይ 127 ሺሕ ሄክታር መሬት ብዘበናዊ ሕርሻ ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ኣብ ክልል ግረራይ ዞባታት ሰሜናዊ፣ ምዕራባዊን ማእኸላይን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ልዕሊ 127 ሺሕ ሄክታር መሬት ብኩታ ገጠምን ብሜላ ኣዘራርኣ መስመርን ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ተገሊፁ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ እቲ ክልል 118 ሺሕ ሄክታር መሬት ብሜላ ኣተሓራርሳ ኹታገጠም ብዝራእቲ ምሸላን ምሸላ ባሕሪን እንትሽፈን፤ 9 ሺሕ ሄክታር መሬት ድማ ኣብ ዞባ ማእኸል ብዘርኢ ጣፍ ተሸፊኑ ኢዩ።

ኣማኻሪ ጉዳያት ኢኮኖሚ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ክብሮም ብስራት ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ ውሕስና ምግቢ እቲ ክልል ንምርግጋፅ ኣብ ምዕባይ ፍርያታውነት ምሸላን ምሸላባሕሪን ፍሉይ ትኹረት ከምዘተገበረ ገሊፆም።

ኣብቲ ዞባ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ዝራእቲ ካብ ውሽጢ ዝተሸፈነ 237 ሄክታር መሬት፤ እቲ 118 ሄክታር ብምሸላን ምሸላባሕሪን ብኹታገጠም ንኽሽፈን ከምዝተገበረ ኣብሆም።

ብመሰረት እዚ ፍርያታውነት ምሸላ ብሄክታር ካብ 27 ናብ 37 ኩንታል፣ ምሸላ ባሕሪ ድማ ካብ 30 ናብ 40 ኩንታል ክብ ንምባል ከምዝተተለመ ገሊፆም።

ኣብ ኤጀንሲ ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ጨንፈር ክልል ትግራይ ኣተሓባባሪ ክላስተር ጣፍ ኣይተ ቴድሮስ ሃይሉ ብግደኦም፥ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብን ማእኸልን ክልል ትግራይ ንክላስተር ጣፍ ምቹው ስለዝኾነ 12 ሺሕን 500 ሄክታር መሬት ብዘርኢ ጣፍ ንምሽፋን ተሓሲቡ ክሳብ ሕዚ 9 ሺሕን 100 ሄክታር መሬት ብኹታ ገጠም ተዘሪኡ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment