ኣብ ክልል ትግራይ ድሕንነት ሰለማዊ ሰባትን ኣገልግሎት ሰብኣዊ ሓገዝን ኣቕርቦት ምርግጋፅ የድሊ-ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ድሕንነት ሰለማዊ ሰባትን ኣቕርቦት ኣገልግሎት ሰብኣዊ ሓገዝን  ምርግጋፅ ከምዘድሊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ብህፁፅ እናተጋደደ ዝፀንሐ ኩነታት ፀፅታ ክልል ትግራይ ዘተሓሳስቦ ከምዝኾነን እቲ ኩነታት ብቕርበት ይከታተል ከምዘሎን ኣፍሊጡ።

ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ዶክተር ዳንኤል በቀለ፥ ንሓይሊታት ፀፅታ ክልልን ፌዴራልን ድሕንነት ሰለማዊ ሰባትን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት ንክሕልዉን ንከኽብሩን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብፍላይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈፃሚ ንክኸውን ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ህፁፅ ጊዘ ኣዋጅ ንምፅዳቕ ሎሚ መዓልቲ እንትእከብ ምግብን መድሓኒትን ዝኣመሰሉ ኣቕርቦታት ሰብኣዊ ሓገዝ ምርግጋፅ ከምዘድሊ እቶም ዋና ኮሚሽነር ገሊፆም።

ከምኡውን ኣገልግሎታት ርክብን ትራንስፖርትን ሙሉእ ንሙሉእ ንከይቋረፅ ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ፥ ክልል ትግራይ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ከምዘዕቖበ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment