ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸል በቲ ጁንታ ተሓቢአን ዝነበራ ልዕሊ 140 ተሸከርከርቲን ቡምባታትን ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ታሕሳስ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸል ወረዳ የጭላ ኣብ ሓደ ቦታ ብጁንታ ተሓቢአን ዝነበራ ልዕሊ 140 ከበድቲን ቀለልቲን ተሸከርከርቲን ዝተፈላለዩ ቡምባታትን ሓዊሱ ብዙሓት ተተኮስቲ ከበድቲ መሳርሒታት ሰራዊት ምክልኻል ብዝገበሮ ዳህሳስ ተረኺቦም።

ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝተዋፈረ 3ይ ብርጌድ ክፍለ ሰራዊት 11 ኣዛዚ ኮሎኔል ያሲን ኑሩየ ከምዝገለፁዎ፥ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ሰራዊት ምክልኻል ኣይበፅሖን ኢሉ ኣብ ዝሓሰቦ ወረዳ የጭላ ፍሉይ ስሙ ሰረፍረፍ ዛበሃል ከባቢ ስንቂን ዕጥቂን ዝፀዓና ብዙሓት ተሸከርከርቲ ሓቢኡ ነይሩ፡፡

እቶም ተሸከርከርቲን ቡምባታትን፥ እቲ ሰራዊት ብዝገበሮ ተግባር ምኽባር ሕጊ ክርከቡ ምኽኣሎም ተዛሪቦም።

ኣዛዚ 1ይ ብርጌድ ክፍለ ሰራዊት 11 ኮሎኔል ያረጋል መኮንን ብግደኦም፥ እቲ ከባቢ ካብ ኣባላት እቲ ጁንታ ሙሉእ ብሙሉእ ናፃ ስለዝወፅአ ሕብረተሰብ ናብ ንቡር ናብሩኡ እናተመለሰ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

እቲ ሰራዊት ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመንፅር ምሕላው ሰላም ሕብረተሰብ ብዕቱብ እናሰርሐ ይርከብ ምባሎ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment