ኣብ ክልል ትግራይ ዝውሰድ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ምሕላው ኢዩ- ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ህዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝውሰዶ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዘፍረሰ ጁንታ መቐለ ንሕጊ ተገዛኢ ንምግባርን ሕገ መንገስታዊ ስርዓት ምሕላውን ከምዝኾነ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጀሪያ ነብያት ጌታቸው ገሊፆም።

ኣምባሳደር ነብያት ኣብ ኣልጀሪያ ምስ እትርከብ ጋዜጣ ዓረብኛ ኣል ፋጅር ፃንሒት ገይሮም።

ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ድማ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ብዙሓት ስራሕቲ ሪፎርምታትን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን፣ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕቲ ፖለቲካዊ፣ ማህበራዊን ኢኮኖሚያዊን ለውጢታት ኣብሪሆም።

ዴሞክራሲ ንክዕንብብ ልዕልነት ሕጊ ምኽባር ወሳኒ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓዲ ሕጊ ዝጠሓሱ ኣካላት ኣብ ዘጋጥምሉ እዋን ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ የካይድ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ርክብ ኢትዮጵያን ኣልጀሪያን ብፖለቲካ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ከምኡውን ብርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ኣብ ኣልጀሪያ ዝርከቡ ሚሲዮን ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment