ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ህፁፅ ምላሽ ን167 ሺሕ ወገናት ተረባሕቲ ዝገብር ሓገዝ እኽሊ ምጉዕዓዝ ጀሚሩ

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ህፁፅ ምላሽ ን26 ወረዳታት ዝውዕል 25 ሺሕን ኩንታል ሓገዝ እኽሊ ሎሚ መዓልቲ ምጉዕዓዝ ጀሚሩ።
እቲ ሓገዝ÷ ን167 ሺሕ ወገናት ተጠቀምቲ ዝገብር ከምዝኾነ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ ኮሚቴ ህፁፅ ምላሽ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ ንዘጋጠመ ድርቂ ንምምካት ዓሊሙ ዓብይ ብሄራዊ ኮሚቴ ህፁፅ ምላሽ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ምጥያሹ ይዝከር።
እቲ ሓይሊ ዕማም ብርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝምራሕ እንትኸውን÷ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝሓቖፈ 22 ኣባላት ዘለዉዎ ኢዩ።
Comments (0)
Add Comment