ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ከይዲ ስግግር ኣብቲ ክልል መሰረት ዴሞክራሲ ዘንብር ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ከይዲ ስግግር ኣብቲ ክልል መሰረት ዴሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ዘንብር ከምዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ከይዲ ስግግር ህዝቢ ጊዚያዊ ኣማሓደርቱ እናመረፀ ብፅቡቕ መልክዑ እናሳለጠ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ሓደ ንሓሙሽተ ብምውዳብ ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ብምሕዳር ዓፊኑዎ ምፅንሑ ዝገለፁ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናፅነቱ ረኺቡ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ክልል እናተኻየደ ዝርከብ ከይዲ ስግግር መሰረት ዴሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ዘንብር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ ህዝቢ ብቐጥታ ብዝመረፆ ምምሕዳርን መራሒን ንኽመሓደር እናመዓራረየ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ኣብ ከይዲ እዚ ድማ ኣመራርሓታት ተናሓናሕቲ ፓቲታት ፖለቲካ ብፅሒቶም እናተዋፅኡ ምዃኖም ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ጁንታ ህወሓት እናተጠቐመሎም ዝነበሩ ሚዲያታት ንህዝቢ ትኽክለኛ ሓበሬታ ከብፅሓ ንምግባር ኣብ ከይዲ ከምዝርከብ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment