ኣብ ክልል ትግራይ ዝተቛረፀ ግልጋሎት ቴሌኮም ሙሉእ ብሙሉእ ንምጅማር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝተቛረፀ ግልጋሎት ቴሌኮም ሙሉእ ብሙሉእ ንምጅማር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ ኣፍሊጠን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሪጂን ሰሜን ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ መቐለን ሽረ ዘለዉ ዋና ጣቢያታት ዘለዎም መማረፂ መራኸብቲ መስመራት ሙሉእ ብሙሉእ ብምቅራፅ ክኡ እውን ቀረብ ሓይሊ ብምቁራፁ ዝተፈጠረ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ስዝኾነ ኣብቲ ጣቢያ ቴሌኮም ጉድኣት እናብፅ ዝነበሩ ኣካላት ኣብ ውሽጢ ድሕንነት ካሜራ ንምርኣይ ከምዝተኽኣለ ዝገለፃ እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ፥ እቲ ጉዳይ ኣብ ከይዲ ምርመራ ፖሊስ ስለዝኾነ ውፅኢቱ እንትፍለጥ ከምዝግለፅ ተዛሪበን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብቲ ከባቢ ግልጋሎት ቴሌኮም ንምጅማር ሰፋሕቲ ፃዕሪታት እናተገበሩ ይርከቡ ዝበላ እንትኾና፤ ስለዝኾነ ድማ ዝተጎድኡ መስመራትብምፅጋን፣ መሊስካ ብምጥያሽን ኣማራፂ ቀረብ ሓይሊታትን ብምጥቃም ኣብ ዳንሻ፣ ትርካን፣ ሑመራ፣ ሸራሮ፣ ማይ ፀብሪ፣ ማይ ካድራ፣ ኮረምን ብኽፋል ግልጋሎት ቴሌኮም ምጅማር ተኻኢሉ ኢዩ ኢለን።

ኣብ ሪጅን ሰሜን ግልጋሎት ቴሌኮም ንምጅማር ኣፀገምቲ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ጉዳያት፥ ምቁራፅ ቀረብ ሓይሊ፣ ምቁርራፅ መሰረተ ልምዓታት ቴሌኮም፣ ኣብቲ ከባቢ ሓይሊ ሰብ ንምውፋር ኣፀጋሚ ምዃኑን ካልኦት ኣገልግሎታት ንምጅማር ዘኽእል መሰረታዊ ቀረባት ዘይምህላውን ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment