ኣብ ክልል ትግራይ ዝተርኣየ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምክልኻል ዝውዕል ብር 10 ሚሊየን ንምልጋስ ቃል ተኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝተርኣየ ወራር ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ዝውዕል ሓገዝ ንምትእኽኻብ ኣብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ልዕሊ ብር 10 ሚሊየን ንምልጋስ ቃል ተኣትዩ።

ኣብቲ ክልል ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል ዝተጣየሸ እዋናዊ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ ሓገዝ፥ ትማሊ ምሸት ኣብ ሆቴል ሸራተን ኣዲስ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ኣካይዱ።

እቲ መርሃ ግብሪ፥ ብምትሕብባር ሰብ ሃፍቲ ተወለድቲ ትግራይን ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግናን ዝተኸየደ ኢዩ ተባሂሉ።

ሰብ ሃፍቲን ትካላትን ኣብቲ ክልል ብወራር ዕሰለ ኣምበጣ በረኻ ዝተጠቕዑ ወገናት ንምሕጋዝ ብቲ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ቃል ኣቲዮም።

እቲ ፀገም ንምቅላል ሓገዝ እናተኣኻኸበ ምዃኑ እቶም መተሓበበርቲ ገሊፆም።

ላዕለዋይ ሓላዊ እቲ ኮሚቴ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር አብርሃም በላይ፥ ኣብ ትግራይ ክልል ዝተርኣየ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምጥፋእ ዝሕግዝ ዕድጊት ኬሚካል ንምክያድን በቲ ዕስለ ጉድኣት ዝበፅሖም ሓረስቶት ንምሕጋዝ ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሰብ ሃፍቲ ዝገብሩዎ ሓገዝ ንኸጠናኽሩ እቶም ሚኒስትር ፀዊዖም።
እቲ መርሃ ግብሪ “ትግራይ ትፅዕ ኣላ”፣ “ታሪኽ ዓወትናን ሓድነትናን ኣብ ኣምበጣ ክድገም ኢዩ”፣ ህላወ ሓረስታይ ህላወ ሃገር ኢዩ” ብዝብሉ መሪሕ ቃላት ከምዝተኻየደ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብሒሳብ ቁፅሪ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000349168166ን ሒሳብ ቁፅሪ ባንኪ ወጋገን 0848379030101ን ሓገዝ ምግባር ከምዝከኣል እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment