ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ትካላት ጥዕና መሊስካ ንምውዳብ ዘኽእል ዑደት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ስራሕተን ንምርኣይን እተን ትካላት ጥዕና መሊስካ ንምውዳብን ዘኽእል ዑደት ይሳለጥ ኣሎ።

ካብ ሚኒስቴር ጥዕናን ተፀዋዕቲ ትካላትን ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ብመሪሕነት ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ክልል ትግራይ ዑደት ይገብር ኣሎ፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ እዋን ጎንፂ ጉድኣት ዝበፅሖም ከምኡ እውን ኣገልግሎት እናሃቡ ዝርከቡ ሆስፒታላትን ጣቢያታት ጥዕናን ብክልተ ጉጅለ ብምዃን ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ።

ኣብቲ ዑደት፥ መባእታዊ ሆስፒታል ዶክተር ፀጋይ ገ/እግዚኣብሄር፣ ጥዕና ጣቢያ ፋፂ፣ ጀነራል ሆስፒታል ዓዲ ግራት፣ መባእታዊ ሆስፒታል ፍረወይኒ፣ ጥዕና ጣቢያ ደንገላት፣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓብዪ ዓዲ፣ መባእታዊ ሆስፒታል ዕዳጋ ዓርቢ፣ ጣቢያታት ጥዕና ማይቅነጣልን ነበለትን ከምዝተዳህሰሱ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትበፅሕ፥ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለን ካልኦት ላዕለዎት ሓላፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ኣቀባብላ ከምዝገበረሉ ይፍለጥ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment