ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ዓቀብቲ ሕጊ ኣብቲ ክልል ብምኽንያት መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነትን ውሳነን ስራሕ ደው ምባል ኣድማ ክገብሩ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ዓቀብቲ ሕጊ ኣብቲ ክልል ብምኽንያት መንግስታዊ ኢድ ኣታውነትን ውሳነን ስራሕ ደው ምባል አድማ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ክገብሩ እዮም።

ብዘለና ልዑል ናይ ድሕንነት ስግኣት ምኽንያት ስምና ኣዬጠቐስ ዝበሉ ዓቀብቲ ሕጊ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ትማሊ ከምዝገለፅዎ፤ ናይቲ ክልል መንግስቲ ፖለቲካ ኢድ ኣእታውነት ስርሖም ናብርኦም ይጎድኦም ኣሎ።

ናይቶም ኣመራርሓ ፖለቲካ ዘብፅሕዎ በደል ብዙሕ መግለፂ እኮ እንተሃለዎ ዋና ሞያዊ ነፃነት ምስኣንን ደሞዝ ክፍሊት ፍትሓውነት ምጉዳልን ብዝተሓሓዘ ዘቕረብዎ ተደጋጋሚ ሕቶ ኣብ ክንዲ ምምላስ ዓወብቲ ሕጊ ካብ ስራሕ ንምቕናስ እናሰርሑ ምኳኖም ተዛሪቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዘለው ዓቀብቲ ሕጊ ደሞዝ ኣብ ኻልኦት ክልላት ካብ ዘለው ዓቀብቲ ሕጊ ብጣዕሚ ዝነኣሰ እዩ።

እዚ ክስተኻኸል እኳ እንተጠየቑ መንግስቲ ክልል ትግራይ ቃል ካብ ምእታው ብዝሓለፈ ከምዘይስተኻኸለ ገሊጾም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment