ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሓድጊታትን መብፅሒ ቱሪዝምን እናተፀገኑ ምዃኖም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሓድጊታትን መብፅሒ ቱሪዝምን ስራሕቲ ፅገና እናተገበረሎም ከምዝኾነ በዓል መዚ መፅናዕቲን ሓለዋ ሓድጊን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ በዓል መዚ መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ሓለዋን ልምዓትን ሓድጊ ሃብታሙ ኣበባው ከምዝበሉዎ÷ ንፅገናን ዳግመ ልምዓትን ዝውዕል 5 ሚሊየን ዝፅጋዕ ብር ነቲ ክልል ሓገዝ ተገይሩ፡፡

ምንቅስቓስ ቱሪዝም እቲ ክልል ንምንቕቓሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ከባቢታት ኣኽሱም፣ ዓድዋ፣ ዓዲ ግራት፣ ተምቤን፣ ገርዓልታ፣ ውቅሮን ኣልነጃሽ ዝርከቡ ፅገና ዘድልዮም 21 ሓድጊታት መባፅቲታትን ስራሕቲ ፅገናን ምልማዕን እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣብ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጊዜያዊ ዳይሬክተር ምርግጋፅ ብቕዓትን ሬጉላቶሪን የማነ ገድሉ ኣረጋጊፆም፡፡

ካብቲ ዓውዲ ክርከብ ዝግበኦ ረብሓ ንምድንፋዕ ድማ ሰላም ምፅናዕን ህንፀት ምስሊ ምዕባይን ከምዝግባእ ኣመልቶም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment