ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠሙ ፀገማት ንምፍታሕ ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠሙ ፀገማት ንምፍታሕ ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲያዊ ሓድነት፣ ትምህርቲ ሕግ-መንግስቲን ህንፀት ሰላምን ገሊፁ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ፥ ሰላም ትግራይ ንምርግጋፅን ዘጋጠሙ ፀገማት ንምፍታሕን ምስቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ተዛቲዮም።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዉ ፀገማት ብዘላቒነት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ሓገዛት ነቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ንምግባር ትኹት ሂቡ ከምዝሰርሕ ኣብቲ እዋን ዘተ ገሊፁ።

ምስ ጉዳይ ወሰን መሬትን ሕጊን ስርዓትን ተተሓሒዙ ህዝቢ መሰረት ብምግባር ብህፁፅ ምላሽ ምሃብ ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባ ኣመለኪቶም እውን ዘቲዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ እዋናዊ ፀገም ምኽንያት ክልል ትግራይ ኣድላዪ ኣታዊ ንምርካብ ማሕለኻ ስለዝኾነ ድማ እቲ ፀገም ብምርኣይ በጀት እቲ ክልል ብፍሉይ ኩነታት ምምዳብ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ተመያይጦም።

ኣብ ጉዳይ ፀፅታን ድሕንነትን ከምኡ እውን ተመዛበልቲ ኣድላዪ ከይዲ ተማሊኡሎም ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ከምዝሰርሕ ምስቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ዝተገበረ ልዝብ ኣንፈት ተቐሚጡ።

ብተመሳሳሊ ዜና ዶክተር ኣብርሃም በላይ፥ መዕርፎ ነፈርቲ ኣኽሱምን ሽረን ስረሖም ምጅማር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምስ ኣመራርሓታት ትካል ኤርፖርታት ተዛቲዮም።

ብፍላይ መዕርፎ ነፈርቲ ሽረ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ንኽምለስ ከምዝግበር ኣብ እዋን እቲ ዘተ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ መዕርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም ድማ ኣድላዪ ስራሕቲ ፅገና ክግበረሉ ኢዩ ምባሉ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment