ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ምስ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማህበረሰብ የሳለጥ ኣሎ።
እቲ መድረኽ ዘተ፥ ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ን ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኢዩ ዝምራሕ ዘሎ።
ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፥ ንባዕሉ ነፂሉ ዝወፅአ ኣንጃ ህወሓት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ሙሉእ ንሙሉእ ንከይትግበር ዕንቅፋት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ቦርድ ምርጫ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንከካይድ ዝሃቦ መምርሒ ዘይምቕባሉ ኣረዲኦም።
መንግስቲ ፌዴራል ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ንክትግበር ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ መንግስቲ እዋናዊ ኩነታት እቲ ክልል ብፅሞና ይከታተሎ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ኣድላዪ ሓገዝ ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ፀፅታን ሰላምን መብርሂ ዝሃቡ ኣይተ ጌታቸው ብግደኦም፥ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ንባዕሉ ገንፂሉ ዝወፅአ ኣንጃ ህወሓት ኣብ ዕለታዊ ተግባራት ግዚያዊ ምምሕዳር ፀገም እናፈጠረ ምምፅኡ ኣረዲኦም።
ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን መንግስቲ ፌዴራልን ኣብ ህንፀት ዘላቒ ሰላም እቲ ክልል ዘለዎም ግደ ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብሳሙኤል ሓጎስ