ኣብ ክልል ትግራይ ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ናብ ስራሕ ንምእታው ስራሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር  ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ ክልል ትግራይ ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ናብ ስራሕ ንምምላስ ኣብ ዘኽእሉ ተግባራት ዝጠመተ ምኽክር ተኻይዱ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ክልል ትግራይ ከላሊ ኣድሃና (ዶ/ር)÷ “ንብረታት ዝዓነዉን ሰራሕተኛታቱን ካብ መኣዲ ስረሖም ተፈሊዮም ስለዝፀንሑ ልዑል ሓገዝ የድሊ” ኢሎም፡፡

ነዚ ድማ ኣመራርሓታት ተቐራሪቦም ምስ ትካላት ምትእስሳር ብምፍጣር እቲ ዓውዲ ቅድም ክብል ናብ ዝበሮ ንምምላስ ከምዝስራሕ ኣብሪሆም፡፡

ሚኒስቴር  ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ዘጋጠመ ፀገም ንምፍታሕ ሓገዝ ከምዝግበር ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ ክልል ዝርከብ ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝበፅሖ ጉድኣት ብሓደ ግዘ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣይከኣል እምበር ፈለማ ሰራሕተኛታት ናብ ስራሕ ንምምላስ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ክስራሕ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ሓደ ልኡኽ ናብ ክልል ትግራይ ብምኻድ ዑደት ከምዝገብርን ስልጠና ከምዝወሃብን ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment