ኣብ ክልል ትግራይ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ንፍዮ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ንፍዮ እናተውሃበ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊ ዴስክ ክታበት ኣዴታትን ህፃናትን መልካሙ ኣያሌው ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ወፍሪ ክታበት ህማም ንፍዮ ዝተመደበ እኹል ክታበት ናብቲ ክልል ተላኢኹ፡፡

ኣብ ኩለን ከባቢታ ትግራይ ካብ ዝሓለፈ 18 መጋት 2015 ዓ.ም ጀሚሩ እናተውሃበ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ እቲ ኣገልግሎት ክታበት ብኣታሓባበራይነት ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን እናተኻየደ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመ ንዝኾኖም ህፃናት ዝወሃብ ክታበት ከምዝኾነ እውን እቶም ሓላፊ ሓቢሮም፡፡

ን12 መዓልቲታት ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ክታበት፥ ልዕሊ 831 ሺሕ ህጣናት ንምኽታብ ከምዝተሓሰበ ተገሊፁ፡፡

ብብርኪ ሃገር ከካብ 13 ክሳብ 22 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ንፍዮ ከምዝተኻየደ ይዝከር፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment