ኣብ ክልል ትግራይ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)11 ተፀዋዕቲ ትካላት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ትግራይ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ ኣጀሚረን፡፡

ኣማኻሪ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ቀነዓ ያደታ (ዶ/ር) ከምኡ እውን ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማ መቐለ ሕድሳት ዓቐመ ደካማታት ኣጀሚሮም።

እቲ ኣዘልግሎት ወለንታ ከም ባህሊ ብምውሳድ ሃገር ምህናፅ ከምዝግባእ ዘልዐሉ ቀነኣ ያደታ(ዶ/ር)፥ ነዚ ድማ  መንግስቲ ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ብግደአን፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ተሳትፎ ዝነበሮም ተፀዋዕቲ ትካላት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መርሃ ግብሪ አዚ ዓመት ክልላት ትግራይን ሲዳማን ከምዝሳተፋ ሓቢረን።

መርሃ ግብሪ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ እዚ ዓመት÷ ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 34 ሚሊየን ወለንታውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ተግባራት ከምዝሳተፉ እውን ኣብሪሀን፡፡

በዚ ድማ ልዕሊ 50 ሚሊየን ዜጋታት ተረባሕቲ ንምግባር ከምዝተሓሰበ ተዛሪበን።

ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ ተፀዋዕቲ ትካላት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብምምስጋን፤ “ከምዚ እንትንተሓጋገዝ ህይወት ዜጋታት ክንቅይር ንኽእል ኢና” ኢሎም፡፡

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment