ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዳግም ንምጅማር ቅድመ ምድላው ተጀሚሩ

ኣዲስ አበባ ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዳግም ንምጅማር ቅድመ ምድላው ከምዝተጀመረ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣመራርሓ ስራሕ እቲ ኣገልግሎት÷ ኣብ ትግራይ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ዝበፅሐ ጉድኣት ብምፍላይ ህፁፅ ፅገና ተገይሩ ሕብረተሰብ ኣብ ሓፂር እዋን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንኽረክብ ኣብ ዝከኣለሉ ከይዲ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡

ብመሰረት እዚ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ሰብ ሞያ ቴክኒክ ዝተዋቐረ እንትኸውን÷ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንፅገና ዘድልዩ እታወታ ብምምላእ ኣብዚ ሰሙን ናብቲ ክልል ከምዝዋፈሩ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ሓፂር እዋን ስራሕቲ ፅገና ብምዝዛም ሕብረተሰብ ዝተቛረፀ ኣገልግሎት ዳግም ንኽረክብ ብዕቱብ ከምዝሰርሕ እውን ኣመልኪቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment