ኣብ ክልል ትግራይ ኣድላዪ እታወት ትምህርቲ ንምምላእ ሓገዝ ንኽግበር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣብ ክልል ትግራይ ኣድላዪ እታወት ትምህርቲ ንምምላእ ሓገዝ ንኽግበር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ኣድላዪ እታወት ትምህርቲ ንምምላእ ሓገዝ ንኽግበር ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኪሮስ ጉዑሽ (ዶ/ር) ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ብዝነበረ ኲናት ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ልዑል ዕንወት ኣስዒቡ ኢዩ።

ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣድላዪ እታወት ንምምላእ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ብመሰረት እዚ በቲ ኲናት ዝዓነዉን ጉድኣት ዝበፅሖምን ኣቢያተ ትምህርቲ ንምህናፅን ንምፅጋንን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ልዝብ እናተገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብመንፅር ሓይሊ ሰብ እውን መምህራንን ሓገዝ ወሃብቲ ሰራሕተኛታትን ናይ ምምላእ ስራሕ እናተወገነ ምዃኑ እቶም ሓላፊ ገሊፆም፡፡

ብሰንኪ ኲናት ንትምህርቲ ዝበፅሑ ህፃናት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃእ ኮይኖም ከምዝፀንሑ ብምሕባር÷ “እቲ ፀገም ብርኪ ብብርኪ ንምፍታሕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት እናተሰርሐ ይርከብ” ኢሎም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ዓመት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ካብ መፃሕፍቲ ጀሚሩ ልዑል ሕፅረት እታወት ትምህርቲ ከምዝህሉ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ÷ እታወታት ትምህርቲ ንምምላእ መንግስታዊ ትካላት፣ ሰብ ሃፍቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment