ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ኣገልግሎት ክረምታዊ ወለንታ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን መናእሰይ ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ኣገልግሎት ክረምታዊ ወለንታ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝኾኑ መናእሰይ ንምስታፍ ምድላው ከምዝተገበረ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ካብ 20 ሰነ 2016 ዓ.ም ክሳብ ፍርቂ መስከረም 2017 ዓ.ም ዝፀንሕ ኣገልግሎት ወለንታ ተሳተፍቲ ዝኾኑ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን መናእሰይ ኣብ 14 ዓውዲታት ልምዓት ከምዝሳተፉ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሓይሽ ሱባጋድስ ገሊፆም።

ኣብቲ ኣገልግሎት ወለንታ ዝሳተፉ መናእሰይ ካብ ዝረኽቡዎ ዕግበት ሕልና ብተወሳኺ ክወፅእ ዝኽእል ልዕሊ 2 ቢሊየን ብር ምድሓን ኣብ ዘኽእል ተግባር ከምዝዋፈሩ እውን ገሊፆም።

ካብ ሞንጎ ኣብቲ ኣገልግሎት ወለንታ ዝሳተፉ መናእሰይ 20 ሺሕ ዝኾኑ ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፅብፂቡ፡፡

እቶም መናእሰይ ኣብ ልምዓት ተኸላ ፈልሲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ትምህርቲ፣ ልገሳ ደምን ኣረጋውያንን ዓቕመ ደካማ ወገናት ኣብ ምሕጋዝን ከምዝሳተፉ ኣይተ ሓይሽ ኣብሪሆም።

Comments (0)
Add Comment