ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ምክልኻል ሕማም ካንሰር (መንሽሮ) በሪ ማህፀን ፍሉይ ትኹረት ከምዝተገበረ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡
ኣብቲ ክልል ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም መንሽሮ በሪ ማህፀን ኣብ ዝቕፅል ሰኑይ ከምዝጅምር እውን ገሊፁ።
ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘሰናደኦ መድረኽ ዘተ ሓላፊ እቲ ቢሮው ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ከመዝገለፁዎ፤ እቲ ሕማም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኢሉ እውን ኣብ ማሕበረሰብ ዘብፅሖ ልዑል ጉድኣት ንምክልኻል ብሓባር ምስራሕ የድሊ።
እቲ ሕማም ካብ መንሽሮ ጡብ ቀፂሉ ንሕብረተሰብ ስግኣት ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፤ ሰብ ሞያ ይዕናን መላእ ማሕበረሰብን እቲ ሕማም ንምክልኻል ካብ ወፍሪ ሓሊፉ ኣብ ስሩዕ ስራሕቲ እውን ትኹረት ክህቡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
እቲ ወፍሪ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል በቢ ዞባኡ ምስ ዘለዉ ሓለፍቲ ማሕበራዊ ጉዳይ፣ በቢብርኩ ምስ ዘሉ ሰብ ሞያ ጥዕናን ምሰ ማሕበረሰብ ትምህርቲን መዳርግቲ ኣካላትን ብምዃን ካብ 9 ክሳብ 14 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዘለዉ መዓልቲታት ከምዝሳለጥ ገሊፆም።