ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዝካየድ ፕሮጀክት ዳግም ህንፀት ምስ ኤጀንሲ ኣገልግሎት ፕሮጀክትታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሳልሳይ ወገን ሰነድ ስምምዕነት ትግበራ ከቲሙ።
ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ፋይናንስ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ስዴንተወካሊት እቲ ኤጀንሲ ወርቅነሽ መኮንንን ክታሞም ኣንቢሮም።
እቲ ፕሮጀክት ሓደ ኣካል “ብጎንፂ ዝተጎድኡ ማሕበረሰብ ምላሽን ምሃብን እግሪ ምትካልን” ብዝብል ብባንኪ ዓለም ዝተሰለዐ ፕሮግራም መትከሊ እግሪ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ዕላማኡ ድማ ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ጎንፂ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት መሰረታዊ ኣገልግሎት ንምቕራብን ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምምሕያሽን ዝሕግዝ ኢዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ፆታዊ ጥቕዓት ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮን ብፍሉይ ጉድኣት ዝበፅሖም ክፋላት ማሕበረሰብ ንንምሕጋዝ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት፥ ብባንኪ ዓለም ዝተሰለዐ 300 ሚሊዮን ዶላር ኣሜሪካ በቲ ትካል ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ዜጋታት ቅልጡፍ ምላሽ ዝህቡ ኣገልግሎታት ምህናፅ፣ በቲ ጎንፂ ዝዓነዉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምፅጋን፣ ማሕራዊ ትካላት ምሕጋዝን ካልኦት ኣገልግሎታት ንምፅጋንን ዝበሉ ስራሕቲ ምፍፃም ኢዩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com