ኣብ ክልል ትግራይ ትልሚ መትከሊ እግሪ ህፁፅ እዋን ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ገንዘብን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣብ ክልል ትግራይ ትልሚ መትከሊ እግሪ ህፁፅ እዋን ዕላዊ ገይሮም።

እቲ ትልሚ፥ ኣብ ነበርቲ እቲ ክልል ማሕበራዊ ሓድነት፣ ምትእምማንን ምርግጋእን መሊስካ ብምህናፅ ሰላምን ተረባሕነትን ነበርቲ ንምርግጋፅ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብኹሉ ብርኪ ዝርከብ ኣገልግሎት መንግስቲ፣ ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህቡ ሰረተ ልምዓታት ከምኡ እውን ኢኮኖሚያዊ ኣገልግሎታት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ምእታው ኣካል እቲ ትልሚ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ግምት ዘእተወ መሰረታዊ ኣገልግሎት ከምኡ እውን ዘፈር ውልቀ ብፍላይ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚን ቢዝነስን ዳግም ናብ ስራሕ ንምእታው ዝዓለመ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment